ኣብ ነዘርላንድ ምውህሃድ

ኣብ ነዘርላንድ ደስ ኢሉካ ምእንቲ ክትነብር ከም ሓድሽ ሰብ መጠን ነቲ ቛንቋ ኽትመሃሮ ኣሎካ። እቲ ሕብረተሰብ ብኸመይ ከም ዝካየድ እውን ክትርድኦ ኣሎካ። ነዚ ኢንቡርኸሪንግ ወይ ውህደት ኢልና ንጽውዖ። 

ናይ መንበሪ ፍቓድ ኣሎካ

ናይ መንበሪ ፍቓድ እንተ ተዋሂቡካ ኢንቡርኸሪንግ ክትገብር ኣሎካ። እዚ ኣብ ሕጊ ዘሎ እዩ። ብዘይካ’ዚ ኸኣ እዚ ኣብ ኣርነሀም ንኸይትጋየሽ ይሕግዘካ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ምምሕዳር ከተማ ኣርነሀም ኣብቲ ተካይዶ ናይ ኢንቡርኸሪንግ መስርሕ ክሕግዘካ እዩ። ኣብዛ ገጽ እዚኣ እቲ ንስኻ ትገብሮ ናይ ኢንቡርኸሪንግ መስርሕ ብኸመይ ኣገባብ ከም ዝካየድ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ናትካ ናይ መጀመርታ ኢንቡርኸሪንግ 

ገና ኣብ መዓስከር ስደተኛታት (AZC) ኣብ ትነብረሉ እዋን ነቲ ኣቐዲሙ ዝግበር ኢንቡርኸሪንግ ክትጅምሮ ትኽእል ኢኻ። ብወለንታ ክትሰርሕ እውን ትኽእል ኢኻ። ከም ውጽኢቱ ናይ’ዚ ኸኣ ቋንቋ ነዘርላንድስ ክትመሃርን ምስ ባህሊ ነዘርላንድስ ክትፋለጥን ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣብ ዳሕራይ እዋን ኣብ ኣርነም ናይ ገዛእ ርእስኻ ቤት ምስ ተዋህበካ እውን ክጠቕመካ እዩ። 

ኣቲ ወግዓዊ ናይ ኢንቡርኸሪንግ መስርሕካ ዝጅምር ናይ መንበሪ ፍቓድ ምስ ተዋሃብካን ኣበይ ከም እትነብር ምስ ፈለጥካን እዩ። ኣብ ኣርነም ክትነብር እንተ መጺእካ ምስ ሓደ ኻብቶም ናይ ኢንቡርኸሪንግ ኣካየድቲ ክትራኸብ ኢኻ። 

ናይ ኢንቡርኽከሪንግ መደብ (PIP)

ምስ’ቲ ናይ ኢንቡርኸሪንግ ኣካያዲ ብሓባር ኴንኩም ንናይ ኢንቡርኸሪንግ መስርሕካ ዝምልከት መደብ ከተውጽኡ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ድማ PIP ኢልና ኢና ንጽዎዖ። PIP ማለት ናይ ኢንቡርኽከሪንግ ከምኡ ድማ ናይ ተሳትፎ መደብ ማለት እዩ። ዕላማ እዚ መደብ እዚ ነቲ ናይ ኢንቡርኸሪንግ ፈተናኻ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ክትሓልፎ እዩ።

ቋንቋ ምምሃር

ምስ’ቲ ናይ ኢንቡርኸሪንግ ኣካያዲ ብሓባር ኴንኩም ነየናይ ናይ ኣመሃህራ መንገዲ ከም እትኽተሉ ክትምርምሩ ኢኹም። ኣብዚ ሰለስተ ናይ ኣመሃህራ መንገዲ ኣሎ።

ናይ መደብ ትምህርቲ ናይ ኣመሃህራ መንገዲ 

እዚ ናይ ኣመሃህራ መንገዲ እዚ ነቶም ኣብ ነዘርላንድ ትምህርቲ ክመሃሩ ዝደልዩ መንእሰያት ዝኸውን እዩ። ነቶም ናብ ቤት ትምህርቲ ንምእታው ዘድልይዎም ነገራት ድማ ብእተኻእሎም መጠን ቀልጢፎም ይማሃርዎም። ሓድሓደ ግዜ ዓበይቲ ሰባት እውን በዚ ናይ ኣመሃህራ መንገዲ ክሓልፉ ይኽእሉ እዮም።

ናይ B1 ናይ ኣመሃህራ መንገዲ

እዚ ትምህርቲ እዚ ነቶም ቛንቋ ጽቡቕ ጌሮም ክመሃርዎ ዝኽእሉ ልዕሊ ዕድመ ሰባት ዝኸውን እዩ። እቲ ዕላማ እዞም ሓደስቲ ሰባት እዚኣቶም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ንቛንቋ ብደረጃ B1 ክዛረቡዎን ኪጽሕፍዎን ንኽኽእሉ እዩ። ማዕረ ማዕረቲ እቲ ናይ ቛንቋ ትምህርቶም እውን ናይ ወለንታ ስራሕ ይሰርሑ  እዮም።

ነብስኻ ትኽእለሉ ናይ ኣመሃህራ መንገዲ 

እዚ ናይ ትምህርቲ መንገዲ እዚ ነቶም ብ1 ከምኡውን ናይ ትምህርቲ መንገዲ ክስዕብዎ ዘይክእሉ ሰባት እዩ። ነቲ ቛንቋ ትመሃሮ ኣብ ሕብረተሰብ ድማ ትሳተፍ። ነዚ መንገዲ እዚ እንተ ስዒብካዮ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ናይ መወዳእታ ቓለ መጠይቕ ክግበረልካ ኣዩ ናይ ኢንቡርኸሪንግ ምስክር ወረቐት ድማ ክወሃበካ እዩ።

ኣብ ኣርነሀም ምስታፍ

ምእንታን ንስኻ ኣብ ኣርነሀም ጽቡቕ ክትወሃሃድ ንሕና ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ክትሳተፍ ንደሊ ኢና። ነዚ ብዝምልከት እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ኣሕጽሮ ቃላት ኣድለይቲ እዮም፥ KNM፣ MAP ከምኡውን PVT። 

KNM

KNM ማለት ፍልጠት ብዛዕባ ማሕበረሰብ ኔዘርላንድ  ማለት እዩ። ኣብ እዋን ፈተና ብዛዕባ እዚ ዝምልከቱ ንዝለዓሉ ሕቶታት ክትምልስ ኣሎካ። 

MAP

MAP ማለት ክፋል ናይ ስራሕ ተሳትፎ ማለት እዩ። እዚ ብዛዕባ ኣብ ነዘርላንድስ ምስራሕ ዝምልከት ዝወሃብ ስልጠና እዩ። እቲ ኣብ መስርሕ ኢንቡርኸሪንግ ዝተሓጋገዘካ ኣካያዲ ስራሕ ስልጠና ንኽትወስድ ክሕግዘካ እዩ። ነቲ ስልጠና እንተ ወሲድካዮ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ነቲ ስልጠና ሓሊፍካዮ እንተ ዄንካ እውን ይውስነልካ እዩ። ኣብዚ ብዛዕባ ኣብ ነዘርላንድ ምስራሕን ኣብ እዋን መስርሕ ኢንቡርኸሪንግ ምስራሕን ዝያዳ ሓበሬታ ኽትረክብ ኢኻ። [ሊንክ]

PVT

PVT ማለት ናይ ተሳትፎ መረጋገጺ መስርሕ ማለት እዩ። ኣብ’ቲ ናይ ተሳትፎ መረጋገጺ ኣብ ሕብረተሰብ ነዘርላንድስ ብንጥፈት ክትሳተፍ ከም እትደሊ መረጋገጺ ትህብ ኢኻ። ነቶም ኣብ ነዘርላንድ ኣገደስቲ ዝዀኑ ነገራት ድማ ከም ተኽብሮም ትገልጽ፣ ማለት ነቶም ቐንዲ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ከም እተኽብሮም ትገልጽ። እዚ ነቲ ናይ ኢንቡርኸሪንግ መርመራ ንምውሳድ የድልየካ እዩ። 

(ናይ ወለንታ) ስራሕ ምርካብ

እቲ ኣብ መስርሕ ኢንቡርኸሪንግ ዝተሓጋገዘካ ኣካያዲ ስራሕ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ንኽትሰርሕ ኣብ ምድላው ክተሓጋገዘካ እዩ። ነዚ ድማ ብሓባር ኴንኩም ምሳኻ ዝኸይድ ብወለንታ ዝስራሕ ስራሕ ክትደልዩ ኢኹም። ኣብዚ ብዛዕባ እዚ መስርሕ እዚ ዝምልከት ዝያዳ ኸተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ማሕበራዊ ደገፍ

ኣብ ኣርነሀም ክትነብር እንተ መጺእካ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ መስርሕ ኢንቡርኸሪንግ ዝተሓጋገዘካ ኣካያዲ ስራሕ ኣብ ማሕበራዊ መዳያት ዝተሓጋገዘካ ሰብ እውን ክግበረልካ እዩ። ሓደ ናይ ፍሉኽተሊንገንቨርክ ሰራሕተኛ ንሸሞንተ ወርሒ ዝኣክል ክሕግዘካ እዩ። እዚ ተሓጋጋዛይ እዚ ንጉዳያት ኣብ ምስላጥን ንገንዘብ ዚምልከቱ ጉዳያት ኣብ ምክያድን ይሕግዘካ እዩ። ንኣብነት ንሱ ምስ ጐረባብትኻ ንኽትላለይ ይሕግዘካ እዩ።

ንስኻ ናብዚ ብምጥርናፍ ስድራቤት ዝመጻእካ ኢኻ

መጻምድትካ ኔዘርላንዳዊ እዩ ኣብዚ ሕጂ እዋን እውን ኣብ ኔዘርላንድ ኢኻ ትነብር ዘለኻ።   እዚ ማለት ከኣ ንስኻ ናብዚ ብምጥርናፍ ስድራቤት ዝመጻእካ ኢኻ። ኣንተደኣ ኣብ ኣርነሀም ትነብር ዘለኻ ኾይንካ እሞ መስርሕ ኢንቡርኸሪንግ ከተካይድ ትደልይ ኮይንካ ንዝርርብ ክንዕድመካ ኢና።

ቋንቋ ምምሃር

ምስቲ ኣብ መስርሕ ኢንቡርኸሪንግ ዝተሓጋገዘካ ኣካያዲ ስራሕ ብሓባር ኴንኩም ናይ ኢንቡርኸሪንግ መደብ ከተውጽኡ ኢኹም። እቲ ናይ ኣመሃህራ መንገዲ ኣብ ምምራጽ እውን ንሕና ንሕግዘካ ኢና። ንትምህርቲ መምሃሪ ዝኸውን ገንዘብ ባዕልኻ ኢኻ ትኸፍሎ። ፈተናኻ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ክትሓልፎ ኣሎካ። 