ኣብ ኔዘርላንድ ምንባር

ምምሕዳር ከተማ ኣርነሀም መንበሪ ቤት ንኽትረክብ ክሕግዘካ እዩ። ኣብ ታሕቲ ነዚ ብዝምልከት ዘለዉ ሕግታት እንታይ ምዃኖም ኸተንብብ ኢኻ። ናይ ሓደስቲ ዝመጹ ቤት ጽሕፈት ምቹእ ናብራ ንኽትነብር ብኸመይ ኣገባብ ከም ዝሕግዘካ እውን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ

ናይ መንበሪ ቤት መሰል

እንተድኣ ናይ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብካ COA ኣበየናይ ምምሕዳር ከተማ ከም እትነብር ክነግረካ እዩ። ድሕሪኡ እቲ ምምሕዳር ከተማ መንበሪ ቤት ክደልየልካ እዩ። ነቲ መንበሪ ቤት ከኣ ክራይ ትኸፍለሉ ኢኻ። ንመንበሪ ቤትካ ባዕልኻ ክትመርጽ ኣይትኽእልን ኢኻ። ምምሕዳር ከተማ ቤት እንተ ረኺቡልካ ንስኻ እውን ኣብኡ ክትቅመጥ ኣሎካ። እንተደኣ ንስኻ ነቲ መንበሪ ቤት ዘይደሊኻዮ ድማ ባዕልኻ ኻልእ መንበሪ ቤት ከተናዲ ኣሎካ። ብድሕር’ዚ ኸኣ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ክትቅመጥ ኣይፍቀደልካን እዩ። 

ባዕልኻ መንበሪ ቤት ምድላይ

ኣብ ካልእ ምምሕዳር ከተማ ክትነብር እንተ ደሊኻ ወይ ከኣ ነቲ ምምሕዳር ከተማ ንዓኻ ዝሃበካ ቤት ዘይፈተኻዮ ባዕልኻ መንበሪ ቤት ከተናዲ ትኽእል ኢኻ። ስለ’ዚ COA ቤት ኣብ ምርካብ ኣይሕግዘካን እዩ ማለት እዩ።

ኣብ ኣርነሀም ምንባር

ናብታ ጽብቕቲ ምምሕዳር ከተማና እንቋዕ ብደሓን መጻእካ! ኣብዚ ኽትነብር እንተ መጺእካ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝኣክል ሓገዝ ክግበረልካ እዩ። ነዚ ማሕበራዊ ሓገዝ ኢልና ኢና እንጽውዖ። 

ንስኻ ኣብ ኣርነሀም ብምቾት ክትነብር ንደሊ ኢና። ስለዚ ኸኣ እዩ እቲ ማሕበራዊ ጉዳያት ዝሕግዘካ። እቶም ዝሕግዙኻ ሰባት  ናይ ፍሉኽተሊንገንቨርክ ሰራሕተኛታት እዮም። ንሳቶም ንኣብነት ምስ ጐረባብትኻ ክትላለይ ይሕግዙኻ እዮም። ከምኡ እውን ምስ መንበሪ ቤትን ምስ ጎረባብትቲ ተሳኒኻ ምንባርን ብዝተኣሳሰር ኣብ ነዘርላንድ ንዘለዉ ልምድታት እውን ክምህሩኻ እዮም። 

እቶም ተሓጋገዝቲ ኣብ ኵሉ ዓይነት ግብራዊ ጕዳያት እውን ይሕግዙኻ እዮም። ኣብ ከም ክራይ ገዛ ምኽፋልን ተወሳኺ ኽፍሊት ንኽወሃበካ ምምልካትን ዝኣመሰሉ ነገራት ይተሓጋገዙኻ እዮም። ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ኣብታ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ትብል ገጽ ዝያዳ ኸተንብብ ትኽእል ኢኻ። [ሊንክ]