ስራሕን ትምህርትን

ትምህርቲ

ቀልጢፍካ ምእንቲ ክትወሃሃድ ኣብ ሕብረተሰብና ክትሳተፍ ኣሎካ። እዚ ኸኣ ቋንቋ ብምምሃር፣ ብምስራሕን ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብምምሃርን ክግበር ይከኣል እዩ። እቲ ናይ ሓደስቲ ዝመጹ ቤት ጽሕፈት ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ኣብዚ ንጥፈት እዚ ይሕግዘኩም እዩ። ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ነቲ ዝያዳ ሓበሬታ ክትረኽበሉ ትደልዮ ዘለኻ ኣርእስቲ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ

ኣብ ኔዘርላንድ ቈልዑን ዓበይትን ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ንምርካብ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ይኽእሉ እዮም። ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ግዴታ እዩ። ድሕሪኡ ትምህርቲ ምቕጻል መብዛሕትኡ እዋን ብድልየትካ ዝግበር እዩ። ሓደስቲ ዝመጹ መንእሰያትን ንዓበይትን ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ክወስድሉ ዝኽእሉ እተፈላለየ መገድታት ኣሎ።

ንቘልዑ ዝወሃብ ትምህርቲ

ኣብ ነዘርላንድ ዝነብሩ ቘልዑ መጀመርታ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ድሕሪኡ ኸኣ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ይመሃሩ። ንስኻ ሓድሽ ዝመጻእካ ስለ ዝኾንካ ቆልዑት እንተ ኣልዮምኻ ደቅኻ ናብ ናብ መዋእለ ህጻናት ወይ ናብ ኣህጉራዊ መሰጋገሪ ክፍሊ (de ISK) ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም። 

መዋእለ ህጻናት

ካብ ክልተ ክሳዕ ኣርባዕተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ ኣብ መዋእለ ህጻናት ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም። ኣብኡ ናብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ንኽኣትዉ ይዳለዉ ቋንቋ ድማ ይመሃሩ። ናይ መንበሪ ፍቓድ እንተሎካ ንደቅኻ ናብ መዋእለ ህጻናት ከተእትዎም ትኽእል ኢኻ። ግን ነዚ ንምግባር ፍሉይ ፍቓድ የድልየካ እዩ። ኣብ ኮንስልታንትቢሮ ናይ ፈይፈይአይ ፍቓድ (vve-verklaring) ክወሃበካ ይኽእል እዩ። እቲ ናትካ ናይ ኢንተኽራሲ ኣካያዲ ኣብዚ ምዳይ’ዚ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። Vve ማለት መዋእለ ሕጻናት ወይ ናይ ቆልዑት ትምህርቲ  ማለት እዩ።

ኣህጉራዊ መሰጋገሪ ኽፍሊ

ኣንተደኣ ደቅኻ ዕድሚኦም ካብ 4 ዓመት ንላዕሊ ካብ 18 ዓመት ድማ ንታሕቲ ኾይኖም ናብ ኣህጉራዊ መሰጋገሪ ኽፍሊ (ISK) ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ ነቲ ቛንቋ ይመሃርዎን ናብ መደበኛ ቤት ትምህርቲ ንኽኣትዉ ድማ ይዳለዉን። ኣብ’ቲ ዝከኣለሉ እዋን ድማ ናብ መደበኛ ቤት ትምህርቲ ከም ዝኣትዉ ይግበር።

መባእታዊ ቤት ትምህርቲ

ቆልዑት ዕድሚኦም ኣርባዕተ ዓመት ምስ ዀኑ ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ እዮም ዝመሃሩ። ኣብኡ ሸሞንተ ጕጅለታት ኣለዉ።  ኣብ ጕጅለ 3 ጀሚሮም ቈልዑ ምንባብ፣ ምጽሓፍን ምቝጻርን ይመሃሩ። ድሕሪ 8ይ ጉጅለ ድማ ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ይኸዱ። እቶም መማህራን ደቅኻ ዝኣትውዎ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ምኽሪ ክህቡ እዮም።

ማእከላ ደረጃ ቤት ትምህርቲ

ኣርባዕተ ዓይነት ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ግብራዊ ትምህርቲ፣ vmbo, havo ከምኡ ድማ vwo እዩ። ቆልዑት ኣብ 8ይ ጕጅለ ምስ በጽሑ ናብ ኣየናይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክቕጽሉ ከም ዘለዎም መማህራን ምኽሪ ይህቡ። መብዛሕትኦም ቆልዑት ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ እዩ ምኽሪ ዝወሃብ። 

ቈልዑት ነቲ ግብራዊ ትምህርትን ከምኡ ድማ vmbo ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ክውድእዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብ havo ዝመሃሩ ቆልዑት ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት መርመራ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም ኣብ vwo ዝመሃሩ ቆልዑት ድማ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት። ብድሕሪኡ ኸኣ ነቲ ቀጺሎም ክመሃርዎ ዝደልዩ ትምህርቲ ክመርጹ ይኽእሉ እዮም። 

ኣብዛ ገጽ እዚኣ ብዛዕባ ንዓበይቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ንዓበይቲ ዝወሃብ ትምህርቲ

ደቅኻ ኻልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ምስ ወድኡ ኣብ mbo፣ hbo ወይ ዩኒቨርስቲ ትምህርቲ ክቕጽሉ ይኽእሉ እዮም። ንርእስኻ እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ትምርቲ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። ምስቲ ናትካ ናይ ኢንቡርኸሪንግ ኣካያዲ ብሓባር ኮይንካ ትምህርቲ ክትቅጽል ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ኽትርኢ ትክእል ኢኻ።

Mbo

ኣብ mbo ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ሞያ ትምህርቲ ትመሃር ኢኻ። ሓድሓደ ግዜ ማዕረ ማዕረ እቲ ናይ mbo ትምህርትኻ ናይ ኢንቡርኸሪንግ ትምህርቲ ክትመሃር እውን ትኽእል ኢኻ። ኣንተደኣ እቲ ናይ ማእከላይ ደረጃ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐትካ ኣብ ነዘርላንድ ዘይኮኑ ወሲድካዮ ናይ መእተዊ ፈተና ክትወስድ ኣሎካ። እዚ ፈተና እዚ ሃገራዊ መርመራ NT2-1 ተባሂሉ ይጽዋዕ።

Hbo ከምኡ ድማ ዩኒቨርስቲ

ናብ Hbo ወይ ዩኒቨርሲቲ ንምእታው መእተዊ መርመራ ክትገብር ኣሎካ። ንኹሎም እቶም ብቛንቋ ነዘርላንድስ ዝወሃቡ ትምህርትታት ዘድልየካ ሃገራዊ መርመራ NT2-II እዩ። ነቶም ብቛንቋ እንግሊዝኛ ዝወሃቡ ትምህርትታት ዘድልየካ ድማ IELTS ወይ TOEFL ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሃገራዊ መርመራ እዩ።

ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቓቕቲ ደረጃ

ነዞም ትምህርትታት ንምውሳድ ኣቐዲምካ ዝተማሃርካ ክትከውን ኣለካ። ስለዚ ኸኣ ነቶም ድሮ ዘለዉኻ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቓቕቲ ንኣህጉራዊ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቓቕቲ ዝግምግም ትካል ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ። ንሶም ነቶም ናትካ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቓቕትኻ ኣብ ነዘርላንድ ዘለዎም ደረጃ ዝውስኑ እዮም። 

እቲ ትኣትዎ ቤት ትምህርቲ ድማ ነዚ ናይ ደረጃ ውሳኔ እዩ ዝርእይ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ ነቲ ትምህርቲ ክትወስዶ ትኽእል እንተ ኾይንካ ይውስኑ ወይ ድማ ገሊኡ ዓይነት ትምህርትታት ኣቐዲምካ ስለ ዝተማሃርካዮም ምምሃር ኣየድልየካን እዩ ኢሎም ክውስኑ ይኽእሉ ማለት እዩ። 

እንተደኣ በቲ ንስኻ ዘለካ ናይ ትምህርቲ ወረቐት ነቲ ትምህርቲ ክትወስዶ ኣይትኽእልን ኢኻ ተባሂሉ ናይ መሰጋገሪ ዓመት ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። ኣብ UAF ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ’ቲ ንዓበይቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ዝምልከቱ ሕቶታት ኣሎካዶ? እምበኣር እቲ ናትካ ናይ ኢንቡርኸሪንግ ኣካያዲ ብዛዕባዚ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። ናብ ምምሕዳር ከተማ ኣርነሀም ክፍሊ ትምህርትን ስራሕን እውን ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ትምህርቲ ገንዘብ 

ኣብ ነዘርላንድ ንኽትመሃር ገንዘብ ክወሃበካ ወይ/ እውን ክትልቃሕን ትኽእል ኢኻ። ነዚ ናይ ትምህርቲ ገንዘብ ኢልና ንጽውዖ። እንተደኣ ዕድሜኻ ካብ 18 ኽሳዕ 30 ዓመት ዝበጽሕ ኾይኑ እሞ ትመሃር  እንተ ኣሊኻ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ትምህርቲ ገንዘብ ክትቅበል መሰል ኣለካ። እቲ ናትካ ናይ ኢንቡርኸሪንግ ኣካያዲ ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ክህበካ ይኽእል እዩ። 

እቲ ንተመሃሮ ገንዘብ ዝህብ ማሕበር DUO (ጉዳይ ትግባረ ትምህርቲ) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ወብ ሳይት ናቶም ብዛዕባ ናይ ትምህርቲ ገንዘብ ዝምልከቱ ዝያዳ ሓበሬታት ክትረክብ ኢኻ። 

እንተደኣ  DUO ናይ ተመሃሮ ገንዘብ ዘይህቡኻ ኾይኖም ምናልባት UAF ሓገዝ ክገብረልካ ይኽእል ይኸውን እዩ። እዚ ንስደተኛታት ተማሃሮ ዝሕግዝ ትካል እዩ። ኣብዚ ዝያዳ ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ ። 

እንተደኣ ትምህርቲ ክትቅጽል ትደሊ ኾይንካ እሞ ሕቶታት ኣለካ ኾይኑ እቲ ናትካ ናይ ኢንቡርኸሪንግ ኣካያዲ ብዛዕባዚ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ።

ኣብ ኔዘርላንድ ምስራሕ

ብእተኻእለካ መጠን ቀልጢፍካ ስራሕ ንኽትረክብ ንሕና ንሕግዘካ ኢና። ምኽንያቱ ትሰርሕ እንተደኣ ዄንካ ባዕልኻ ገንዘብ ተእቱ ነቲ ቛንቋ ድማ ቐልጢፍካ ክትመሃሮ ትኽእል ኢኻ። ንኔዘርላንድ እውን ኣጸቢቕካ ክትፈልጣ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ቀልጢፍካ ኣብ ሃገርካ ከም ዘለኻ ዀይኑ ክስምዓካ እዩ። ብመሰረት ሕጊ  እውን ክትሰርሕ እዩ ዘለካ። ብሓቂ ክትሰርሕ ዘይትኽእል እንተ ዀይንካ ጥራይ ኢኻ ክትሰርሕ ዘይብልካ። 

ስራሕን ኣታዊታትን

ናብ ነዘርላንድስ ሓድሽ ምስ መጻእካ ምምሕዳር ከተማ ናይ ገንዘብ ሓገዝ (ኣውትኬሪንግ) ይህበካ እዩ። ነዚ ሓገዝ እዚ ረድኤት ኢልና ኢና እንጽውዖ። እዚ ሓገዝ እዚ ግዝያዊ እዩ። ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ እንተ ረኺብካ እቲ ዝወሃበካ ሓገዝ ድማ የቋርጽ እዩ።

ክፍሊት ዘለዎ ስራሕ ትሰርሕ እንተ ዄንካ ደሞዝ ይወሃበካ እዩ። በዚ ገንዘብ እዚ ኸኣ ንርእስኻን ንስድራ ቤትካን ክትኣሊ ትኽእል። ንኣብነት ገንዘብ ከተዋህልል፣ ማኪና ኽትዕድግ፣ ወይ ድማ ገዛ ንኽትገዝእ ለቓሕ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፥ እንተ ሰሪሕካ ምስ እዚ ሕብረተሰብ ቀልጢፍካ ኢኻ ትወሃሃድ። 

ኣብዚ ብዛዕባ ኣታዊኻ፣ ገንዘብን ምሕደራን ዝምልከት ዝያዳ ኸተንብብ ትኽእል ኢኻ። [ሊንክ]
 

ስራሕ ቅድሚ ምጅማርካ

ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ምድላይ ቅድሚ ምጅማርካ፣ ንስራሕ ብቑዕ ዝኾነ ቆመና ክህልወካ ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ  ስራሕ ንኽትሰርሕ ድሉው ኢኻ ዘለኻ ማለት እዩ። እቲ ናትካ ናይ ኢንቡርኸሪንግ ኣካያዲ ነዚ ብዝምልከት ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ምሳኻ ዝኸይድ ስራሕ

ምስቲ ናትካ ናይ ኢንቡርኸሪንግ ኣካያዲ ብሓባር ብምዃን ኣየናይ ስራሕ ምሳኻ ከም ዝኸየድ ክትመያየጡ ኢኹም።
ነዚ ብዝምልከት ነቲ ዝወስደካዮ ትምህርቲ ኽንርእዮ ኢና። ናብ ነዘርላንስ ቅድሚ ምምጻእካ ዝሰራሕካዮም ስራሓት እውን ንርኢ ኢና። እንታይ ዓይነት ስራሕ ክትሰርሕ ከም እትደሊ ድማ ክንመያየጥ ኢና።

ብዛዕባ ኣብ ነዘርላንድ ምስራሕን ኣብ መበቆል ሃገርካ ምስራሕን ብዝምልከት ዘሎ ፍልልይ እውን ክንመያየጥ ኢና። እዚ ፍልልይ እዚ ዓቢ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ናይ ስራሕ ልምማድ ምግባር ወይ ብወለንታ ምስራሕ

ምስቲ ናትካ ናይ ኢንቡርኸሪንግ ኣካያዲ ብሓባር ብምዃን ናይ ስራሕ ልምማድ ክትገብረሉ ወይ ብወለንታ ክትሰርሓሉ ትኽእል ቦታ ክትደልዩ ኢኹም። ኣብኡ ኸኣ ኢኻ ናይ ስራሕ ተመክሮ እትገብር። ኣብኡ ብዛዕባ ኣብ ነዘርላንድ ምስራሕን ባህሊ ናይ ነዘርላንድን ድማ ክትመሃሮ ኢኻ። 

እንተደኣ ንመጻኢ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ክትሰርሕ ትደሊ ኾይንካ እዚ ተመክሮ እዚ ኣገዳሲ እዩ። ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ንምርካብ እንተ ኣመልኪትካ ኣብ’ቲ ትገብሮ ዝርርብ ብዛዕባ ዘለካ ናይ ስራሕ ተመክሮ ሕቶታት ክትሕተት ኢኻ። 

ንስራሕ ብቑዕ ምዃን

እቲ ዕላማ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ንስራሕ ብቑዕ ንኽትከውን እዩ። እምበኣር ብድሕሪኡ ኣብ ሓደ ቦታ ኽትሰርሕ ድልው ኣለኻ ማለት እዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እቲ ናይ ምምሕዳር ከተማ ናይ ስራሕን ኣታውታትን ኣካያዲ ስራሕ ኣብ ምድላይ ክሕግዘካ እዩ። እዚ ብልክዕ ብኸመይ ከም ዝካየድ ኣብዚ ኸተንብብ ትኽእል ኢኻ። [ናብ ስራሕ ምድላይ ዝብል ገጽ ዝወስደካ ሊንክ]

ስራሕ ምድላይ

ንስራሕ ብቑዕ እንተ ዄንካ ምስቲ ናይ ምምሕዳር ናይ ስራሕን ኣታውታትን ኣካያዲ ብሓባር ብምዃን ስራሕ ትደልዩ። ሲቪ (CV) ተዳልዉ እሞ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ምስ ተረኽባ ድማ ተመልክቱ። 

ናትካ ሲቪ

ምስቲ ናትካ ናይ ስራሕን ኣታውታትን ኣካያዲ ኴንኩም ሲቪ ተዳልዉ። እዚ ኸኣ ኣየኖት ትምህርትታት ከም ዝተማሃርካን ቅድሚ ሕጂ እንታይ ዓይነት ስራሓት ከም ዝሰራሕካን ዝገልጽ ሰነድ እዩ። ኣብዚ ሰነድ ካልእ ብሕታዊ ሓበሬታትካ እውን ይሰፍር እዩ። 

ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ምንዳይ

እንተደኣ ሲቪ ኣለካ ኾይኑ ናይ ስራሕ ሬክላማት ምስ ወጸ ንስራሕ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ኸኣ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት (vacatures) ኢልና ንጽውዖ። ንኣብነት ኣብ Arnhem Werkt-app ኣብ ኣርነምን ኣብ ከባቢኡን ዘሎ ባዶ ናይ ስራሕ ቦታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ብዛዕባ እዛ ኣፕሊኬሽን እዚኣ ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
 
ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ዝዝርገሓሎም ሓያሎ ኻልኦት ወብ ሳይታት እውን ኣለዉ። እቲ ናትካ ናይ ስራሕን ኣታውታትን ኣካያዲ ጽቡቕ ናይ ስራሕ ቦታታት ንኽትረክብ ክሕግዘካ እዩ።

ንስራሕ ምምልካት

ጽቡቕ ናይ ስራሕ ቦታ ምስ ረኸብካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ከኣ ንስኻ ስለምንታይ ነቲ ስራሕ ከም ትኽእሎን ንምንታይ ክትሰርሖ ከም ትደልይን ዝገልጽ ኢ-መይል ትልእኽ ማለት እዩ። እቲ ናትካ ናይ ኢንቡርኸሪንግ ኣካያዲ ነዚ ብዝምልከት ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። 

እንተደኣ እቲ ትካል ነቲ ዝሰደድካዮ መልእክቲ ጽቡቕ ዀይኑ ረኺብዎ ቃለ መጠይቕ ንኽትገብር ክዕድመካ እዩ። ብድሕሪ እቲ ቓለ-መጠይቕ ድማ ኣብቲ ትካል ክትሰርሕን ዘይክትሰርሕን ይውሰን። 

ሕጊ ተሳትፎ እንታይ እዩ?

ሕጊ ተሳትፎ ንሓደስቲ ሰባት ኣገዳሲ ሕጊ እዩ። ምስታፍ ክበሃል እንከሎ ምውሳእ ማለት እዩ። ዝዀነ ይኹን ኣብ ነዘርላንድስ ዝነብር ሰብ ስራሕ ክሰርሕ ክጽዕር ከም ዘለዎ ሕጊ ተሳትፎ ይገልጽ እዩ። 

እንተደኣ ኣውትኬሪንግ ትወስድ ኣለኻ ኾይንካ እሞ ክትሰርሕ ትኽእል እንተ ዄንካ ስራሕ ክትደሊ ኣሎካ። እዚ ኣብዚ ሕጊ እዚ ሰፊሩ ኣሎ። ስለ’ዚ ኣውትኬሪንግ ዝወሃበካ ንግዚኡ እዩ። እንተ ሓሚምካ ኣካላዊ ወይ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማት እንተ ኣልዩካ ጥራይ ኢኻ ስራሕ ክትሰርሕ ወይ ክትደልይ ዘይትግደድ። ነዚ ዝውስነልካ ድማ ምምሕዳር ከተማ እዩ። 

ብዘይካ’ዚ ኣብ ሕጊ ተሳትፎ ቛንቋ ክትመሃር ከም ዘሎካ ሰፊሩ ኣሎ። ስለ’ዚ ምእንቲ ኣቲ ዝወሃበካ ኣውትኬሪንግ ክቕጽል ቋንቋ ነዘርላንድስ ብዝግባእ ንኽትመሃር ብዝከኣለካ ክትጽዕር ኣሎካ። እዚ እውን ኣካል ናይ ኢንቡርኸሪንግ መስርሕካ እዩ [ሊንክ]። 

ኣብዚ ብዛዕባ ሕጊ ተሳትፎ ዝምልከት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ካልእ ሕቶታት እንተ ኣልዩካ እቲ ናትካ ናይ ኢንቡርኸሪንግ ኣካያዲ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።