ክንክን ጥዕና

ኣብ ኔዘርላንድ ዘሎ ክንክን ጥዕና ጽቡቕ እዩ። ምቹእ ናብራ ንኽህሉ እውን ብዙሕ ኣቓልቦ እዩ ዝግበረሉ። እዚ ማለት ከኣ ንስኻ ብጽቡቕ ክትህሉ ኣገዳሲ ኾይኑ ኢና ንረኽቦ። ኣብ ነዘርላንድ ክንክን ጥዕና ብኸመይ ከም ዝካየድ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ ኸተንብብ ትኽእል ኢኻ። እንታይ ሓገዝከ ኽትረክብ ከም ትኽእል እውን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኔዘርላንድን ኣርንሀምን ዘሎ ሕክምና፥ እቶም ዘለዉ ሕግታት

ሓድሓደ ግዜ ኣብ ነዘርላንድ ዘሎ ኣካይዳ ክንክን ጥዕና ንሓደስቲ ሰባት ኣዝዩ እተሓላለኸ እዩ። ናይ ጥዕና መድሕን የድልየካ እዩ። ንኣብነት ብዘይ ገለ መሰነይታ ወረቐት ሱቕ ኢላክ ናብ ሆስፒታል ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብዛ ገጽ እዚኣ ክንክን ጥዕና ብኸመይ ከም ዝካየድ ክንገልጽ ኢና።  

ናይ ጥዕና መድሕን ክህልወካ ግዴታ እዩ

ኣብ ነዘርላንድ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ናይ ጥዕና መድሕን ክህልዎ ኣለዎ። እዚ ግዴታ እዩ። ሓደስቲ ሰባት እውን መንበሪ ቤት ካብ ዝተዋህቦም እዋን ኣትሒዞም ናይ ጥዕና መድሕን ክህልዎም ግድን እዩ። 

ናይ ማሕበራዊ ጕዳያት ተሓባባራይካ ናይ ጥዕና መድሕን ኣብ ምውጻእ ክሕግዘካ እዩ። እዚ መድሕን እዚ ንመብዛሕትኡ እቲ ንሕክምና ኢልካ ተውጽኦ ገንዘብ ይኸፍላልካ እዩ። 

ኣንተደኣ ነቲ መድሕን ክትከፍል ዘይትኽእል ኮይንካ ንዑኡ መኽፈሊ ዝኸውን ተወሳኺ ገንዘብ ይኽፈለካ እዩ። ኣብዛ ገጽ እዚኣ ብዛዕባ ተወሰኽቲ ክፍሊታት ዝምልከት ዝያዳ ኸተንብብ ትኽእል ኢኻ። 

ናብ ሓኪምን ሆስፒታልን ምኻድ

ናብ ኣርነም ክትነብር እንተ መጺእካ ኣብ እንዳ ሓኪም ትምዝገብ ኢኻ። እቲ እንዳ ሓኪም ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ እዩ። ኣንተ ተጸሊኡካ ናብቲ ሓኪም ትኸይድ። ንኣብነት ኣካላዊ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት እንተ ኣልዩካ። 

ኣብ እዋን ምሸት ወይ ቀዳመ-ሰናብቲ ኣብ ልዕሌኻ ወይ ኣብ ልዕሊ ገለ ካብ ኣባላት ስድራ ቤትካ ወይ ካልእ ሰብ ገለ ነገር እንተ ኣጋጢሙ ናብ መደበር ሕክምና ደውል። ናብ መደበር ሕክምና ክትድውል ዘለካ ክሳዕ ንጽብሒቱ ክትጽበ ዘይትኽእል እንተ ኾይንካ ጥራይ ኢኻ።

ኣብ ልዕሌኻ ወይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ሰብ ኣብ ሞት ከብጽሕ ዝኽእል ጸገም እንተ ኣጋጢሙ ጥራይ ኢኻ ብቐጥታ ናብ ሆስፒታል እትኸይድ። ግን መጀመርታ ናብ ስልቂ ቑጽሪ 112 ክትድውል ኣለካ።

ኣብ እንዳ ሓኪምካ

እቲ ምስ ሓኪምካ ተቛጺርካ ትገብሮ ርክብ ንዓሰርተ ደቒቕ ጥራሕ እዩ። ዝያዳ ግዜ ዘድልየካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ ቈጸራ ኽትገብር ከለኻ ክትሕብር ኣሎካ። ኣብቲ ቓለ-መጠይቕ እቲ ሓኪም እተፈላለየ ሕቶታት ይሓትት እዩ። ብዛዕባ ዘለካ ጥርዓናት እንታይ ኣረኣእያ ክም ዘሎካ እውን ይሓትት እዩ። እቲ ሓኪም ብዛዕባ እቲ እትነግሮ ነገር ንዋላ ሓደ ሰብ ኣይነግርን እዩ።

እቲ ሓኪምካ ክሕክመካ እንተ ዘይክኢሉ ሓድሓደ ግዜ ናብ ካልእ ሰብ የመሓላልፈካ እዩ። ንኣብነት ናብ ፊዝዮተራፒስት፣ ናብ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ወይ ተወሳኺ ምርመራ ንኽግበረልካ ናብ ሆስፒታል ይሰደካ ኢዩ። ድሕሪኡ ባዕልኻ ሓድሽ ቈጸራ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።

ናብ ኣርነም ንዝመጹ ሓደስቲ ሰባት ዝኸውን ፍሉይ ናይ ዝርርብ ክፍለ-ግዜ እውን ኣሎ፥ ረቡዕ ረቡዕ ድሕሪ ቐትሪ ካብ ሰዓት 1 ክሳዕ ሰዓት 3 ኣብ ዘሎ እዋን ናብ’ቲ ኣብ ሶንስበይክፓርክ ዝርከብ ኤ ቢቲፉል መስ (A beautiful mess) ዝበሃል ቤት መግቢ ብምኻድ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ናይ ጥዕና ጸገም ምስ ዝህልወካ እውን ናብኡ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ፣ ብዛዕባ ኣብ ነዘርላንድ ዘሎ ክንክን ጥዕና ዝምልከት ሕቶታት እንተለካ እውን ክትሓትት ናብኡ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። 

እዚ ናይ ዝርርብ ክፍለ-ግዜ ብናይ ዓለም ዶክተራት ዝተወደበ እዩ። 

ጥዕናኻን ምቹእ ናብራኻን

ንስኻ ኣብ ኣርነም ጽቡቕ ተሰሚዑካ ክትነብር ንዓና ኣገዳስነት ኣለዎ። ስለዚ ኸኣ እዮም እቶም ናትና ናይ ኣከባቢ ጕጅለታት ንዓኻ ዝሕግዙኻ። ብዛዕባ ጥዕናኻ ዝምልከት ገለ ሕቶታት እንተ ኣልዩካ ምስ ናይ ኣከባቢ ጕጅለታት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። 

ጥዕና ዘለዎ ናብራ

ንነብስኻ ጽቡቕ ክትከናኸን ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ጥዕና ዘለዎ መግብን መስተን ኣዘውትር። ብዘይካ’ዚ ኣዘውቲርካ ብእግርኻ ኽትከይድ ወይ ኣካላዊ ምውስዋስ ክትግበር ጽዓር። 

ኣስናንካን ኮራርምትኻን እውን ተኸናኸን። ኣንተደኣ ኣብ ኣስናንካን ኮራርምትኻን ጸገማት ኣለካ ኾይኑ ናብ ሓኪም ስኒ ኺድ።  

ስነ ኣእምሮኣዊ ጥዕና

ሓድሽ ኢኻ ምናልባት ድማ ካብ ሃገርካ ሃዲምካ ዝመጻኻ ክትኸውን ትኽእል ኢኻ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ኸኣ ገሊኣቶም ሰባት ስነ- ኣእምሮኣዊ ጸገማት ኣለዎም። ጽቡቕ ኣይድቅሱን፣ ይፈርሁ ወይ ድማ ሓዘን ይስመዖም እዩ። 

በዚ ጸገም እዚ እውን ናብ ሓኪም ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ንሱ ክሕግዘካ እዩ። 

ዝያዳ መብርሂ

ብዛዕባ ኣብ ነዘርላንድ ጥዕና ዘለዎ ናብራ ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ኽትረክብ ኣንተ ደሊኻ  ኣብዚ ወብ ሳይት እዚ እተፈላለየ ነገራት ዝገልጽ ቪድዮታት ክትረክብ ኢኻ. ኣብቲ ጥዕና ኣብ ነዘርላንድ ዝብል ወብ ሳይት ከኣ ብዓረበኛን ትግርኛን ዝተዳለወ ሓበሬታ ኽትረክብ ኢኻ።