ኣተሓሕዛ ገንዘብ

ናብ ኣርነም ዝመጻእካ ጋሻ ስለ ዝኾንካ ንግዜኡ ንመነባብሮ ዝኸውን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክትወሃብ መሰል ኣለካ። ተወሰኽቲ ክፍሊታት ክግበረልካ እውን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ክንደይ ዝኣክል ገንዘብን ከም ዝተቐበልካን ክንደይ ዝኣክል ገንዘብን ከም ዘውጻእካን ምምዝጋብ ጽቡቕ እዩ። ኣብተን ኣብ ኣርነሀም እትነብረን ናይ መጀመርታ ኣዋርሕ ሓገዝ ክግበረልካ እዩ።

ኣብ ታሕቲ ብዛዕባ እዚ ጕዳያት እዚ ዝያዳ ሓበሬታ ኽትረክብ ኢኻ። መሰላትካን ግዴታታትካን እንታይ ምዃኑን እንታይ ሓገዝ ከም እትረክብን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ ። 

ክፍሊት (ኣውትኬሪንግ)

ካብታ ናይ ገዛእ ርእስኻ ቤት እትውንንላ መዓልቲ ኣትሒዝካ ካብ ምምሕዳር ከተማ ገንዘብ ክኽፈለካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ነዚ ኸኣ ማሕበራዊ ደገፍ ኢልና ኢና እንጽውዖ። እዚ ክፍሊት እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ግዝያዊ እዩ። እቲ ዕላማ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ንኽትረክብ እዩ። 

ክኽፈለካ ምምልካት

እንተደኣ ናብ ኣርነሀም ክትነብር ኢልካ መጺእካ ካብ ትካል ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ኣብ ማሕበራዊ ጕዳያት ዝተሓጋገዘካ ሰብ ክግበረልካ እዩ። እዚ ሰብ እዚ ኣብ ኣርነም ንኸይትጋየሽ ዝሕግዘካ እዩ። እዚ ሰብ እዚ ኣብ ከም ክፍሊት ክኽፈለካ ምሕታት ዝኣመሰሉ ግብራዊ ነገራት እውን ክሕግዘካ እዩ። ክፍሊት ንኽኽፈለካ ትሓቶ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር እዩ። 

ኣብዚ ብዛዕባ ንኽክፈለካ ምምልካት ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ኽትረክብ ኢኻ።  

እቲ ክፍሊት ግዝያዊ ኢዩ  

እቲ ዝግበረልካ ማሕበራዊ ሓገዝ ግዝያዊ እዩ። እንተደኣ ክትሰርሕ ትኽእል ኮይንካ ክትሰርሕ እውን ኣሎካ። ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ምስ ረኸብካ እቲ ዝወሃበካ ሓገዝ የቋርጽ እዩ። ኣብዚ ብዛዕባ ኣብ ነዘርላንድስ ምስራሕ ዝምልከት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። [ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ናብ ዘሎ ገጽ ዝወስደካ ሊንክ]

ተወሰኽቲ ክፍሊታት

እንተደኣ ክፍሊት ተጌሩልካ ኾይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ተወሰኽቲ ክፍሊታት ናይ ምርካብ መሰል እውን ኣሎካ። እዚ ገንዘብ እዚ ካብ ሰብ መዚ ግብሪ ኢኻ እትረኽቦ። ንኣብነት ንእተወሰነ ክፋል ናይ ክራይ ገዛኻ ወይ መድሕን ጥዕናኻ መኽፈሊ ዝኸውን ገንዘብ ይኽፈለካ እዩ። ነቶም ትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ደቅኻ ተባሂሉ እውን ናይ ቈልዑት ክፍሊት ይኽፈለካ እዩ። ካብ ሰብ መዚ ግብሪ ተወሳኺ ክፍሊት ንኽወሃበካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣብ ማሕበራዊ ጕዳያትካ ዝተሓጋገዘካ ሰብ ኣብዚ መዳይ እዚ ክሕግዘካ እዩ። ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዝኽፈለካ ዝምርኰስ ኣብቲ እትኸፍሎ ብዝሒ ኽራይ ገዛን ኣብ ብዝሒ ኣታዊኻን እዩ ።

ኣብዚ ገጽ እዚ ኣየኖት ተወሰኽቲ ክፍሊታት ከም ዘለዉ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።  ተወሳኺ ኽፍሊት ንኽወሃበካ መሰል ዝህልወካ ኣበየናይ ኩነታት ምዃኑ እውን ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ተወሳኺ ክፍሊት ንኽወሃበካ ከተመልክት ዝግባእ መሰል እንተ ኣልዩካ ጥራይ እዩ። ከምኡ እንተ ዘይኮይኑ ነቲ እተቐበልካዮ ገንዘብ ክትመልሶ ክትግደድ ኢኻ። 

ናይ ቆልዑት ተወሳኺ ክፍሊት

እቲ ንቖልዑት ተባሂሉ ዝወሃብ ተወሳኺ ክፍሊት መንግስቲ እዩ ዝህበካ። እቲ ተወሳኺ ክፍሊት ዝወሃበካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ኣዋርሕ እዩ። እቲ ነዚ ዘካይድን ዘዋሃህድን ትካል SVB፣ ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት ባንክ ዝበሃል እዩ። ኣብዚ ብዛዕባ ናይ ቆልዑት ተወሳኺ ክፍሊት ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ኽትረክብ ኢኻ። ኣቲ ናይ ማሕበራዊ ጕዳያት ተሓጋጋዛይካ ነቲ ተወሳኺ ክፍሊትን ናይ ቆልዑት ተወሳኺ ክፍሊትን ኣብ ምሕታት ክሕግዘካ እዩ።

ናብ ናይ ገንዘብ ጸገም ካብ ምእታው ምክልኻል

ናይ ገንዘብ ሽግር ምእንቲ ከየጋጥመካ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዝተቐበልካን ክንደይ ዝኣክል ገንዘብን ከም ዘውጻእካን ብዝርዝር ምምዝጋብ ጠቓሚ እዩ። ናብ ከተማ ኣርነሀም ዝመጹ ሓደስቲ ሰባት ነቲ ኤውሮ-ቫይዘር (Euro-Wijzer) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስልጠና ክወስድዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብ’ዚ ናይ ገንዘብ ጸገማንት ወይ/እውን ዕዳን እንተ ኣልዩካ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል እውን ኸተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኤውሮ-ቫይዘር 

እንተደኣ ናብ ኣርነም ክትነብር መጺእካ ነቲ ኤውሮ-ቫይዘር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስልጠና ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ። እዚ ስልጠና እዚ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ዝግበር ምትሕግጋዝ እዩ። ኣብዚ ኣብ ነዘርላንድ ናይ ገንዘብ ጕዳያትካ ብኸመይ ከም እተካይዶ ክትመሃር ኢኻ። ንኣብነት ሕሱር ኣስቤዛ ኣበይ ክትዕድግ ከም እትኽእል እውን ክትመሃር ኢኻ። ከምኡ ድማ ናይ ገንዘብ ጸገም እንተ ኣልዩካኸ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ክትመሃር ኢኻ።

ኼልሬፓስ (Gelrepas)

ኼልሬፓስ ንኽወሃበካ እውን ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ነቶም ኣብ ኣርነም ዝነብሩ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ሰባት ዝወሃብ እዩ። እንተደኣ ኼልሬፓስ ኣለካ ኾይኑ ንዝተፈላለዩ ንጥፈታት ዝኸውን ገንዘብ ይወሃበካ ወይ ድማ ናይ ዋጋ ምጉዳል ይግበረልካ እዩ። ንኣብነት ናብ መካነ እንስሳታት፣ቤተ መዘክር፣ ስፖርት ወይ ስልጠናታት ንምእታው።  ኣብዚ ብዛዕባ ኼልሬፓስ ዝምልከት ኩሉ ነገር ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

መዝገብ ምሓዝ

መዝገብ ምሓዝ ኣገዳሲ እዩ። ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዝተቐበልካን ክንደይ ዝኣክል ገንዘብን ከም ዘውጻእካን ኣብ ኮምፕዩተር ወይ ኣብ ደብተር ብዝርዝር ምምዝጋብ ጠቓሚ እዩ።  ነዚ ብኸመይ ከም ትገብሮ ኣብ እዋን ስልጠና ዩሮ-ቫይዘር ክትመሃሮ ኢኻ። ናይ ማሕበራዊ ጕዳያት ተሓጋጋዛይካ እውን ኣብዚ መዳይ እዚ ክሕግዘካ እዩ።  

ናይ ገንዘብ ሽግርን ዕዳን

እንተደኣ እቲ ዝግበረልካ ማሕበራዊ ደገፍ ተቛሪጹ ኾይኑ እውን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ናይ ገንዘብ ሽግርን ዕዳን እንተ ኣልዩካ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ዘለካ ዕዳ ክስረዘልካ ይኽእል እዩ። ስለዚ ብእዋኑ ሓገዝ ከተናዲ ኣለካ። ናብj ኹድ ኸረይከልድ ኣርንሀም ብኣካል ብምኻድ ወይ ቴሌፍን ብምድዋል ተራኸብ፣ ንሶም መምልኢ ቅጺ ኣብ ምምላእ ክሕግዙኻ እዮም። ናይ  ስቲኽቲንግ ራንድስታድ ጉጅለ መምልኢ ቕጺ እውን ቕጺ ኣብ ምምላእ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

እንተደኣ ዕዳ ኣለካ ኾይኑ ናይ ኣከባቢ ጕጅለ ማሕበራዊ ጉዳያት ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ናብ ስልኪ ቑጽሪ 088-226 0000 ደውል ወይ ኣብ www.wijkteamsarnhem.nl ርአ። 

ምስ ናይ ንገንዘብ ሽግር ብዝተሓሓዝ ንዝወሃብ ሓገዝ ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። 

ፍሉይ ሓገዝ

ብሃንደበት ተወሳኺ ገንዘብ እንተ ኣድልዩካ ፍሉይ ሓገዝ ክግበረልካ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ምምሕዳር ከተማ ድማ እዚ ሓገዝ እዚ ክወሃበካ ዝግባኣካ እንተ ኾይኑ ይውስን። ስለዚ እዚ ሓገዝ እዚ ንኽወሃበካ ብቑዕ ምኽንያት ክህልወካ ኣለዎ። 

ኣብዚ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣርነም ዘሎ ፍሉይ ሓገዝ ዝምልከት ዝያዳ ኸተንብብ ትኽእል ኢኻ።